ህጹጽ ጋዜጣዊ መግለጺ

English | Arabic

መስከረም 1, 2025

ኤርትራውያን ንፍትሕን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን (EFJD) ሓባራዊ መረዳድኢ ዛዕባታት ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ብወግዒ ከምዘቖመ ብሓበን ይእውጅ። እዚ ልፍንቲ’ዚ ኣብ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን፥ ሃገራዊ ሓድነትን ናይ ሓባር ራኢ ዘለዎም ውድባትን ውልቀሰባትን ኣብ ሓደ ዝጠመረ ኢዩ።

ብመሰረት ሕንጻጻት ኣቃውማ ውድባዊ ቅርጻ ልፍንቲ፡ ፋልማይ ቦርድ ናይ ዳይረክተራት ብምምራጽ መሪሕነቱ ኣቍሙ ኣሎ። እዚ ቦርድ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሓፈሻዊ ጉባኤታት እቲ ዝላዓለ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ኮይኑ፥ ንስትራተጂያዊ ኣካይዳ ናይ’ዚ ጥምረት ዘማእዝንን፡ መሰረታዊ መትከላት ልፍንቲ ከምዝኽበሩ ንኸረጋግጽን ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ እዚ ቦርድ፡ ንመዓልታዊ ንጥፈታት ልፍንቲ ዘማሓድርን ዝከታተልን፡ ተልእኾታት ናይ ልፍንቲ ብግቡእ ክፍጽም ሓላፍነት ዝስከምን ፈጻሚ ኣካል መዚዙ ኣሎ።

ኤርትራውያን ንፍትሕን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ህጹጽነት ዝጠልብ ሃገራዊ ብድሆታት ንምግጣም ብዝተወሃሃደ፡ ሓቛፊ፡ ሓባራዊ መትከላት ኣነጺሩ ንምስራሕ ዝቆመ ግብረ-መልሲ ኢዩ። ኤርትራ ኣብዚ ዘይተአደነን ሓያልን ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ዞባውን ብድሆታት ኣብ ዘጋጥማ ዘሎ እዋን፡ ልፍንቲ  ኤፍዲም  ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ  ኣድላይነቱ ኣገዳሲ ይገብሮ። ካብ ዕላማታት ልፍንቲ፡ ሲቪካዊ ንጥፈታት ምትብባዕ፡ ምውሓስ ልዕልና ሕጊን ሰብኣዊ መሰላትን፥ ምሕያል ማሕበረ-ኮማት፡ ምድልዳል ሓድነት ኣብ ኩሉ ጽላታት ሕብረተሰብ ኤርትራን ዝብሉ ይርከብዎም። እዚ ሃገራውነት፡ ላኡላውነትን ፍትሕን መሰረት ዝገበረ ልፍንቲ፡ አብ መሰረታት ዝተመርኮሰ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ብምህናጽ፡ ሰላማዊን፥ ዘተኣማምንን ብዝተማልአ ውጺኢታዊ ስርሓት ዝተሰነየ፡ ናብ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ መስርሕ ዘብጽሕ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ንክህሉ ግድኡ ንክጻወት ይጽዕር።

እዚ ንኣትዎ ዘለና ምዕራፍ፡ ሓባራዊ ክብርታት ዝሰረቱ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ራእይን፡ ብሃገራዊ ክብረትን፡ ተወፋይነት ዝምእዘን፡ ናብ ፍትሓዊ፡ ሲቪካዊ፡ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዝወስድ ፈላሚ ጉዕዞ ኢዩ።

For more information, send your request to:

Email: efjd.info@gmail.com. website: www.efjd.org